BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ጀርመን፡ ክልተ ኣባላት ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ቀይዲ ኣእትያ
ፈደራላዊ ዓቃብ ሕጊ ጀርመን፡ ኣብ ከተማታት እታ ሃገር ንዝተኻየደ ደማዊ ዕግርግራት ብምምራሕ ዝኸሰሶም ክልተ መራሕቲ ምንቅስቓስ "ብርጌድ ንሓመዱ"፡ ብትእዛዝ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዎም ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ፡ ፍትሒ ዝጸምኣ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን መልሲ ምኒስትሪ ፍትሕን
ከቢድ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን በሰላ ተሰኪመን ዝነብራ ዘለዋ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፍትሒ ምጽባይ ዝኸበደ ካልኣይ ስቓይ ኰይኑወን ከም ዘሎ ይገልጻ፤ መንግስቲ ግን ፍርዳዊ መስርሕ ብግቡእ ይሰርሕ ኣሎ ክብል ይከላኸል።
ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሪያድ ምስ ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዘተ ኣካይዱ
ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሪያድ ምስ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ኣብ መዳያት ቍጠባዊ፡ ጸዓትን ዞባዊ ጸጥታን ዘተ ኣካይዱ። እዚ ርክብ ዝካየድ ዘሎ፡ ወጥሪ ቀይሕ ባሕርን መተሓላለፊ ባብ ኣል-መንደብን እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ተሃዋሲ እዋን እዩ።
ኤርትራ፡ መንእሰያት ሓረስቶት ንምሕጋዝ 'ገደናና' ድጅታዊ መተግበሪ የዳልዉ ኣለዉ
ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ መሃዝቲ መንእሰያት፡ ንሓረስቶት ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታቶም ዘገልግል "ገደናና" ዝተሰምየ ናይ ፈተነ ድጅታዊ ስርዓት ንምዝዛም ኣብ ናይ መወዳእታ ስራሓት ከም ዝርከቡ፡ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ዕጡቓት ሑቲ፡ ንኤርትራን የመንን ኣጋጭየን ዝነበራ ኣገደስቲ ደሴታት ሓኒሽ ተቘፃፂሮም
ኣብ ቀረባ እዋን እናገስገሱ ዝመፅኡ ዘለዉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ነተን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ንኤርትራን የመንን ናብ ግጭት ዘእተዋ ደሴታት ሓኒሽ ከም ዝሓዙ ተገሊፁ።
ቀጥታ, ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንኣውፈርቲ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ
ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝርከብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA)፡ ኣብ ጽላት ዕደና ኦሮምያ ንዝዋፈሩ ኣውፈርቲ፡ ኣከባብያዊ ቅጥዒታት ክኽተሉን ኣብ ስርሓቶም ንነበርቲ እቲ ከባቢ ከሳትፉን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።
ነፋሪቱ ብኢራን ዝተሃረመት ኣመሪካዊ ፓይለት ኣብ መጀመርታ ቃለ መሕተቱ እንታይ ኢሉ?
ኣብ ኲናት ኢራን ነፋሪቱ ዝተሃረመት ኣመሪካዊ ፓይለት፡ ነፋሪቱ ድሕሪ ምህራማ ናብ መሬት ንምዕላብ ኣብ ዝፈተነሉ፡ ፓራሹት ምኽፋት ስለዝኣበዮ ብኣዝዩ ልዑል ፍጥነት ምስ መሬት ከምዝተላግዐ ሓቢሩ።
'ንሓዘንና ኣመና ኣኽቢዱዎ' - ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሞት ንዝተቐጽዑ ደቆም ክቐብሩ ሬሳ ዝሰኣኑ ወለዲ
ብዘይ ቅድመ-መጠንቀቕታ ዝፍጸም መቕጻዕቲ ሞት፡ ብምስጢር ሓመድ-ኣዳም ዝለበሰ ኣስከሬን፡ ከምኡ’ውን ሬሳ ደቆም ከይረኣዩ ባዶ ሳንዱቕ ዝቐብሩ ዘለዉ ወለዲ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሃንደበት ዝተቐትሉ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ንስድራቤቶም ቅባጸት ዘይረኸበ መሪር ሓዘንን ጣዕሳን ይሓድገሎም ኣሎ።
ኣመሪካ ኣብ ህዋ ኣጽዋር ውግእ ከም ዘዋፈረት ንፈለማ እዋን ኣረጋጊጻ
ኣመሪካ ኣብ ዑደት ምድሪ ኣጽዋር ህዋ ከም ዘዋፈረት ንፈለማ እዋን ኣረጋጊጻ። እዚ ድማ ዋሽንግተን ከምዚ ዓይነት ናይ መጥቃዕቲ ዓቕምታት ኣብ ህዋ ከም ዘለዋ ብወግዒ ዝተኣመነትሉ ናይ ፈለማ ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣሎ።
ኤርትራ፡ ንኢማራት ብ'ሃጸይነት ወደባት' ትኸስስ
ኤርትራ፡ እቲ ቢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ብቐንዱ ናይ ባዕላ ናይ ኢትዮጵያ ከምዘይኰነ፡ 'ስትራተጂ ኢማራት' ምዃኑ ክትገልጽ ከም ዝጸንሐት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ነዚ መርገጺ ሃገሩ ደጊሙ ኣነጺሩ።
ትግራይ፡ ብሓንሳብ ሓሙሽተ ዕሸላት ዝተገላገለት ኣደ ኣብ ምንታይ ኩነታት ትርከብ?
ኣብ ከባቢታት ኣበርገለ፡ ብሓንሳብ ሓሙሽተ ዕሸላት ዝተገላገለት ኣደ፡ እቶም ሰለስተ ብህይወት ተሪፎሙላ ሓቚፋ ንምስዓም በቒዓ ኣላ። እንተዀነ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ሕዚ'ውን ነታ ስድራ ይፍትና ኣሎ።
ባብ ኣል-መንደብ፡ ምቍጽጻር ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝያዳ ቅልውላው ዝፈጥር ድዩ?
እቲ ጕጅለ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ልዕሊ እቶም ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምር ኣማኢት ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ቲክቶክ መጺኡ'ሎ፣ ተኸታተሉ።
ኣብ ካልእ ዘይትረኽብዎ፡ መሳጥን ኣገዳስን ሓበሬታ ንምርካብ ቀዳሞት ኵኑ።
ከይሓልፈኩም
ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን።ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ እያ
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ኣብ ሸላታት ሞት ስዑዲ ዓረብ ተስፋ ዝቘረጹ ኢትዮጵያውያን ናብ ቢቢሲ ደዊሎም
ዓሰርተታት ኢትዮጵያውያን ፍርዲ ሞት ይጽበዩ ኣለዉ - ገለ ካብኣቶም ዛንታኦም ንምንጋር ናብ ቢቢሲ ትግርኛ ደዊሎም ዛንታኦም ነጊሮም ኣለዉ። እቲ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ካብታ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፍርዲ ሞቱ ዝጽበየላ ጸባብ ክፍሊ ማእሰርቲ ብተሌፎን ናብ ቢቢሲ ክድውል ዕድል ምስረኸበ፡ ኣብ ድምጹ ጭንቀትን ተስፋ ምቝራጽን ይስማዕ ነይሩ።
ኤርትራ፡ ንመምርሒ ባጤራ ዝሰዓበ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት
ድሕሪ'ቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ቍጠባዊ ኵነታት ይዅን ነቲ መምርሒ ዝሰዓበ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ዕድጋታት እንታይ ይመስል? ህዝቢኸ ብኸመይ ይቃለሶ ኣሎ? ኣብ ዝብል ኣተኵርና ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪብና ኣለና።
ኣብ ዘይኲናቶም ተኸርዲኖም ምሩኻት ኲናት ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን
ሓደ ካብ ሸሞንተ ብዩክረይን ዝተትሓዙ ምሩኻት ኲናት፡ ኣፍሪቃዊ እዩ። እዚኦም ቀጻሊ እንታይ'ዩ ከጋጥሞም ዝፍለጥ ኣይኰነን።
"ምስ ሞትኩ መርድእ ምንጋር ይሓይሽ"፡ ዘሰቅቕ ዛንታታት ሞት ዝተፈረዶም ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድያ
ሂዩማን ራይትስ ዎች ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝሕብሮ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ይርከቡ። "መቕፃዕቲ ሞት ዝተፈረዶም ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኸሚስ ሙሻይት ተዳጒኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍፀም ይፅበዩ ኣለዉ" ክብል'ውን ኣመልኪቱ። ኣብ መስርዕ ሞት ካብ መንጎ ዝርከቡ ናይ ገሊኦም ዛንታ፡ 31 ዓመት ዘድመኡ ካብ ዞባ ምብራቕ ዝተሰደደ ደስታ እዩ።
ብዛዕባ እታ 'ሕብሪ ወርሒ' እትሰምየት ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ እንታይ ንፈልጥ?
ኤርትራውያን ኣብ ናይ መንግስቲ ይዅን ብሕቲ ስራሓት ዝወፍረሉ፣ ሰብ-ሓዳር ቪላታት ዘስርሕሉ፣ ብዙሓት ደቀ'ባት ካብ ጣልያን ዝተረከብዎ ፋብሪካታት ዘመሓድርሉ፣ ብብዝሒ ዲታታት (ኩባንያታት) ዝነበርሉ፣ ቍጠባ እታ ሃገር ዝደንፍዓሉ፡ ደቂ ከባቢ ኣብታ ብጽሬታ እትነኣድ ኣስመራ ኣትዮም እቶት ዝምእርርሉ ግዝያት ነበረ።
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ...፤
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ትንታነ
11 መስከረም፡ ድሕሪ 25 ዓመታት ትካላት ስለላ እንታይ ተማሂሮም እንታይከ ኣምሊጥዎም?
ቀዳማይ ሓላፍነት ሓደ መንግስቲ፡ ንህዝቡ ካብ ሓደጋ ምዕቃብ እዩ። ቅድሚ 25 ዓመት፡ ብ11 መስከረም 2001 ግን ኣመሪካ ነዚ ሓላፍነት'ዚ ኣብ ምውጻእ ብግሁዶ ፈሺላ። እቲ ሓበሬታ ኣብ ኢድ ትካላት ስለላ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዘሕዝን ኣገባብ፡ ነቲ ዝነበረ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ኣወሃሂዱ ብግዜኡ ዘንበቦ በሊሕ ኣእምሮ ኣይነበረን።
ብድሕሪ ምንዳድ ቦጣት ነዳዲ ምዕራብ ወለጋ መን ኣሎ? መርመራ ቢቢሲን ስቕታ መንግስትን
እቲ ሓዊ ነዳዲ ንዝጸዓና ቦጣት ጥራይ ኣይኰነን ኣዕንዩ - ድሕሪኡ ዝሰዓበ ናይ መራሕቲ መኻይን ምጭዋይ’ውን ንመላእ’ቲ ከባቢ ኣብ ስግኣት ኣውዲቕዎ።
ሩስያ ብኣውሮጳ ትኽሰሰሉ ዘላ ሓድሽን ዝተራቐቕን ኣገባብ መጥቃዕታ እንታይ እዩ?
ጀርመን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሌፕዜክ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሩስያ'ያ ፈጺማቶ ድሕሪ ምባላ፡ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ምዕራባውያን ሃገራትን ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ዓሪጉ'ሎ።
ኣስመራ፡ እታ ብጽምኢ ማይ ትሳቐ ዘላ ከተማ
ኣስመራ፡ እታ ብጽሬታን ብስሩዕ ውጥን ዘመናዊ ከተማውነትን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ዝነበረት "ንእሽቶ ሮማ"፡ ሎሚ መልክዓ ብሕሱም ኵነታት ተቐይሩ፡ ነበርታ ኣብ ከቢድ ጸገም ጽምኢ ማይ ይርከቡ። ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ሞያውያን፡ ነበርትን ሰነዳትን ተወኪሱ'ሎ፤
ጽምብል ቅዱስ ዮሓንስ ንሰላምን ራህዋን
ሎሚ ባሕቲ መስከረም፡ በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ምጅማር ሓድሽ ዓመት ግእዝን እዩ። እብዛ ድርብ ዕለት ውሉደ ክህነት ነታ ዕለት ብዜማን ማህሌትን ጸናጽልን ከበሮን ንበዓለ ቅዱስ ዮሓንስ ይጽምብሉ። ኣመንቲ ክርስትና ሕብረተሰብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ነታ ዕለት ብተስፋን ፍስሓን ይቕበሉዋ።
ቻይና ምስ ግብጺ ምውጋና ንኢትዮጵያ እንታይ ሳዕቤን ክህሉዎ እዩ?
ቻይናን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ማይ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ንረብሓ ካይሮ ዘቐድም ሓባራዊ መርገጺ ኣውጺአን። እዚ ድማ ቻይና ካብቲ ዝጸንሓ ናይ ገለልተኝነት ኣካይዳ ወጺኣ ናብ ግብጺ ምዝንባላ ዘርኢ ኰይኑ፡ ንኢትዮጵያ ድማ ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ብድሆ ፈጢሩላ ኣሎ።
ትግራይ፡ 'እቲ ዝኸፍአ ግዜ ካብ ጥሪ ንደሓር'ዩ'
ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ተርእዮ ኤል ኒኖ፡ ማእከላይ ክፋል ኢትዮጵያ፡ ሰሜን፡ ሰሜናዊ ምብራቕን ምብራቕን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ከባቢታት ዝናብ ክረምቲ ከም ዝሓጸሮም ጸብጻባት ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ካብ ሆርሙዝ ክሳብ ዓደን፡ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን ንሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ ከመይ ኣሐይልዎም?
ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ዝካየድ ንግዳዊ መራኽብ ናይ ምዝራፍ ተግባራት ብርኡይ ወሲኹ። እዚ፡ ነቲ ድሮ ብሰንኪ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስግኣት ወዲቑ ዘሎ ጕዕዞታት ባሕሪ ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።
'ገበናዊ ብልሹው ምሕደራ'፡ ኣንጻር ጃኒ ኢንፋንቲኖ ተላዒሉ ዘሎ ሕጋዊ ማዕበል
"ተግባራት ኢንፋንቲኖ ገበናዊ ብልሹው ምሕደራ እዩ"፣ "ዝተሰከሞ ሓላፍነት ብምጥላም ዝፈጸሞ ዓቢ ክድዓት"፣ "ንጥቕሚ ገዛእ ርእሱ ክብል ዝፈጠሮ፡ ካብ ልዝብ ወጻኢ ዝዀነ ስምምዕ።"
ምስሕሓብ መጻብቦ ሆርሙዝ ንመትረብ ፓናማ ብኸመይ መድረኽ ግጭት ሓያላት ሃገራት ገይሩዎ?
እቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ቀጻሊ ኰይኑ ዘሎ ኲናት ኢራን፡ ንሓደ ካብቶም ኣገደስቲ መስመራት ማይ ዓለም ኣብ ዝዘርገሉ ዘሎ እዋን፡ ብኣሽሓት ኪሎሜተራት ርሒቑ ዝርከብ ካልእ ስትራተጅያዊ ጸቢብ መስመር - መትረብ ፓናማ - ሓድሽ መድረኽ ጅኦፖለቲካዊ ምስሕሓብ ገይሩዎ ኣሎ።
ውዕል መካ፡ ቱርኪ ስዑዲ ዓረብን ፓኪስታንን 'ኣስላማዊ ኔቶ' ክፈጥራ ይኽእላ ድየን?
ቱርኪ፡ ስዑዲ ዓረብን ፓኪስታንን ነቲ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ "ውዕል ሱኒ" ወይ'ውን "ኣስላማዊ ኔቶ" ኢሎም ዝጽውዕዎ ናይ ሓባር ናይ ምክልኻል ስምምዕ 'ውዕል መካ' ካብ ዝፈርማ ልዕሊ ሰሙን ኰይኑ ኣሎ። ገሊኦም ድማ ንከም በዓል ኢራንን እስራኤልን ዝኣመሰላ ሃገራት ከም ናይ ምምካት ይብሉ፣ ገለ ድማ እተን ሃገራት ኣብ ኣመሪካ ዘለወን ጽግዕተኛነት ንምንካይ ዘለወን ድሌት ዘንጸባርቕ እዩ ይብሉ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ የመንን ቀይሕ ባሕሪን እንታይ ትብል?
ሓይሊታት ሑቲ የመን ኣብዚ እዋን፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ብምክያድ ሓያለ ከባቢታት ቀይሕባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘእተዉ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ "ጉዳይ የመን ወተሃደራዊ መፍትሒ የብሉን፡" ብምባል ርእይቶኡ ሂቡ።
ትግራይ፡ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪታት ሰላም እንታይ ይመስል?
ኤምባሲታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኖርወይን ካናዳን፡ ከምኡ'ውን 22 ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ዘተ ንምክያድ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም ዝድግፋ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም የመን ብቀርሰንቲ ዝተጨውየት መርከብ ምትእስሳር ከምዘይብላ ገሊጻ
ሶማላውያን ሸፋቱ ባሕሪ ወይ ቀርሰንቲ ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ የመን ሓንቲ ፍርያት ነዳዲ እትጽዕን መርከብ ከም ዝጨወዩ ትካል ንግዳዊ ስርሒታት ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኤ-ኤፍ-ፒን ሮይተርስን ጸብጺቦም ነይሮም።
ትግራይ፡ ኣመሪካ ብዛዕባ ምብጻሕ ኦባሳንጆ ናብ መቐለ ዝሃበቶ መግለጺ
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኦሊሰንጉን ኦባሳንጆ፡ ብሰኑይ 24 ነሓሰ 2026 (ኣ.ኤ)፡ ናብ ትግራይ 'ወግዓዊ ዘይኰነ' ምብጻሕ ከም ዝገበረን ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከም ዝተዘራረበን ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
ትግራይ፡ 'ኵሉ ነገር ስለ ዝተሓጽረ፡ ወስወስ ኢልና'ውን ንረኽቦ ነገር የለን'
ኣብዚ እዋን፡ ሰለስተ ኣገደስቲ ዞባታት ትግራይ ብኸቢድ ሕጽረት ዝናብ ተጠቒዐን ምህላወን ይግለጽ፤ ከም ሳዕቤኑ፡ ሓረስቶት ኣብ ልዑል ጭንቅን ሻቕሎት ቀለብ ሰብን እንስሳን ወዲቘም ይርከቡ።
ኢንፋንቲኖ ይቕረታ ሓቲቱ - ስልጣኑ ግን ክለቅቕ ድዩ ክጸንሕ?
ነቲ ኣካታዒ ዝዀነ ውጥን ስዒቡ ብርቱዕ ነቐፌታ ድሕሪ ምልዓሉ፡ ኢንፋንቲኖ ብረቡዕ ኣብ ራባት (ሞሮኮ) ምስ ላዕለዎት ኣባላት ቦርድ ኣመራርሓ ፊፋ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ።
ኣማኻሪ ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ካይሮ ዘካየዶ ርክባት 'ጸረ-ኢትዮጵያ' ከም ዘይኰነ ገሊጹ
እቲ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ኤክስ' ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ምስ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እዘን ሰለስተ ሃገራት ዝተገብረ ዝርርብ "ዘይግባእ ትርጕምን መልክዕን ተዋሂቡዎ" ከም ዝተቓልሐ ገሊጹ።
ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ ዝስኣነትሉ መገዲ ኣመልኪቱ እንታይ ኢሉ?
መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ካብ መወዳእታ 2023 ጀሚሩ ነዚ ጉዳይ ከልዕሎ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብፍላይ ኢትዮጵያ ብ2024 ኣፍ-ደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሶማሊላንድ ኣካታዒ ሰነድ ምርድዳእ ካብ እትፍርም ንድሓር ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ዘጋደደ ጕዳይ ኰይኑ መጺኡ'ዩ።
'እንቐብሮ ኣስክሬን የብልናን' - ቃንዛ ኣብ ስዑዲ ደቆም ብሞት ዝተቐጽዑ ተጋሩ ስድራ
"ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ከም ዝተኣሰሩን ከም ዝተቐተሉን ኣርዲኦምና፤ ሬሳና ግን ኣይተቐበልናን። ፍርድኹም ተወሲኑ እዩ ምስ ስድራኹም ተራኸቡ'ውን ኣይበሉዎምን፤ ኣጻርዩ በዚ እዮም ተቐቲሎም ኢና ዝነገረና'ውን የለን፤ ተበዲልና ኢና፡ ግዜ ክፍእ ስለ ዝበደሎም ክሽቅሉ እዮም ከይዶም፡" ይብሉ ኣቶ ሓጐስ።
ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ደቀን ኣብ መሪር ሓዘን ዝኣተዋ ሶማልያውያን ኣደታት
ብመሰረት ክፍሊ ጥዕና ሚነሶታ፡ ኣብ 2024 ጥራይ፡ 678 ሰባት ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን መድሃኒት ኦፒዮይድ ሞይቶም፡ እዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዋህበ መረዳእታ እዩ። ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ሚነሶታ ዝርከብ ማሕበረሰብ ሶማላውያን ድማ ካብቶም ኣዝዮም ዝተጠቕዑ ሰባት እዮም።
ትግራይ፡ በቲ ግዱድ ኣዋጅ ዕስክርና ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሕጊታትን መሰላትን
ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተኪኡ፡ ስልጣን ዝተቘፃፀረ ኣካል- ነባር ክልላዊ ቤት ምኽሪ፡ ነቲ ሰነድ፡ 24 ግንቦት 2018 [ግ] ከም ዘፅደቘ ዝተገልፀ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ወራር ህልውና ንምምካት ዝዓለመ ከም ዝዀነ እዩ ዝምጉት። መስራትን ምክትል ዳይሬክተርን ትካል 'ሁይማን ራይትስ -ፈረስት ኢትዮጵያ' ፡ በዓል-ሞያ ሕጊ ኣይተ መብርሂ ብርሃነ፡ ነቲ ኣዋጅ ዝተቓወመሉ ምኽንያት ኣብሪሁ'ሎ።
27 በረራታት 24 ግጥማት፡ ፕረዚደንት ፊፋ ብኸመይ ኣረኻኺቡሉ ሳዕቤናቱኸ?
ፕረዚደንት ፊፋ ጃኒ ኢንፋንቲኖ፡ ኣብዚ ናይ ሎምዘበን ዋንጫ ዓለም፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ጥራይ ኣብ መላእ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየዱ 24 ግጥማት ተረኺቡ።
ሳይንስን ጥዕናን
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።


























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](/api/v1/web-embed/proxy?proxyUrl=https%3A%2F%2Fichef.bbci.co.uk%2Face%2Fws%2F240%2Fcpsprodpb%2F2266%2Flive%2Fc9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp&mode=full)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](/api/v1/web-embed/proxy?proxyUrl=https%3A%2F%2Fichef.bbci.co.uk%2Face%2Fws%2F240%2Fcpsprodpb%2F1ffe%2Flive%2Fbf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp&mode=full)









![ፌቨን ገብረእግዝኣብሄር [ፌቨን ማርኮ] ኣብ ቁኖን ስነ ጽባቐን ኢላ ብምጅማር፡ ነቲ ሞያ ብደረጃ ቤት ትምህርቲ ብምዕባይ ኣብ ካምፓላ ብስነ ጽባቐ ኣብ 17 ዙርያታት ብኣማኢት ዝቁጸራን ዝቁጸሩን ሰብ ሞያ ኣፍሪያ ኣላ፡ ፌቨን ኣብዚ ከይተሓጸረት ኣብ ኣስታት 15 ፊልምታት'ውን ከም ሜክ ኣፕ ኣርቲስት ብምዃን ሰሪሓ እያ።](/api/v1/web-embed/proxy?proxyUrl=https%3A%2F%2Fichef.bbci.co.uk%2Face%2Fws%2F240%2Fcpsprodpb%2Febe4%2Flive%2F289933b0-9b94-11f1-a291-b542ee92de7c.png.webp&mode=full)















![ቢን ሳልማን [ማእከል] ብየማኑ ኤርዶጋን፡ ብጸጋሙ ድማ ሸሪፍ](/api/v1/web-embed/proxy?proxyUrl=https%3A%2F%2Fichef.bbci.co.uk%2Face%2Fws%2F240%2Fcpsprodpb%2F7b12%2Flive%2Fe9429690-9998-11f1-870d-5d08c49babb2.jpg.webp&mode=full)
































